Home Deportation About Us News Room ትግርኛ العربية English Discussion Forum Founding Congress How it all started Youth's Blog Youth's Corner Women Events

 

Home
Deportation
About Us
News Room
ትግርኛ
العربية
English
Discussion Forum
Founding Congress
How it all started
Youth's Blog
Youth's Corner
Women
Events

Welcome to the Party Formation Commission Web Site

Recent Items:

ሕብረት ኣፍሪቃ ንመጥቃዕቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ኣውጊዙ

ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማ ሻርማኤልክ ዝተኻየድ ናይ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ንዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣውጊዙ፤ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ድማ ጸዊዑ። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ብዝኸፈተቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ውግእ ከምዝተባርዐን ብሰንክ’ዚ ውግእ’ዚ ብዓሰርተታት ዝቝጸርዉ ወተሃደራታ ከምዝተቐትሉ ጅቡቲ ክትከስስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኢዩ። ኤርትራ ግን፡ ነዚ ኣሉታ ኢያ ሂባትሉ።  

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ብሲንዝያ ጆንስተን 30 ሰነ 2008

ብዛዕባ ጃምላዊ ምብራር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ካብ ግብጺ ብዝምልከት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ግሉጽ ዝርርብ ከምዘካየደት ሓላፊ’ቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሓቢሩ። 

ሽሕ’ኳ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቶም ዝባረሩ ስደተኛታትን ንዓዛብ ክቃልዑ ኢዮም ዝብል ስግኣቱ ደጋጊሙ ይገልጽ እንተነበረ፡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ፈጺማቶ ዘይትፈልጥ 1000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ ሰነ 2008 ኣስገዲዳ ናብ ሃገሮም ኣባሪራቶም።

Party founding congress and the challenges ahead of us

Both ELF-RC and new party members will hold their broad base political party founding congress on July 25 2008. The necessary party draft documents to be presented at congress have been finalized. As is known, a series of discussions and campaigns on the party draft documents have been under way for quite some time now. In addition, such discussions and campaigns will continue during and after the congress. Now, the party formation process is on its final phase. And the process of nominating delegates to the founding congress is under way.  

 

ኤርትራ ካብ ዶብ ጅቡቲ ክትስሕብ መጸዋዕታ ተገይሩላ

ይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንሰራዊታ ካብ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘዳውባ ቦታታት ክትስሕብ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝጸውዐን፤ ንባን ኪሙን፡ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ሓንቲ ነቲ ኵነታት እተጻሪ ኮሚቴ ናብ’ቲ ቦታ ክልእኽ ከምዝሓተተን፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ እተባህለ ኣህጕራዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።  

ሊብያ፡ 230 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብራር ትሸባሸብ ኣላ 

ኣብ ሊብያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ 700 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ካብኦም ንሕጂ 230 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክባረሩ ተበዪኑሎም ኣሎ። ናይ’ዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ህይወት ናይ ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ብሰብኣዊ መሰል ዝግደስን ሕልና ዘለዎ ሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲእና ንምድሓኖም ውዓል ሕደር ዘይብሉ ህጹጽ ስጕምታት ክንወስድ ንጥለብ ኣሎና። 

ሊብያ፡ 700 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተባርር ቅልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ይድለ ኣሎ

እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ብሊብያውያን ሰበስልጣን ዝግበር ዘሎ ናይ ምብራር ስጕምቲ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ድማ፡ ካልእ ዘጕሂ ተረኽቦን፤ ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረ ሰብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኽን ተደጋጋምን ፍሽለት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ኢዩ። እዚ ናይ ሊብያ ናይ ምብራር ስጕምቲ ኣብ ጽባሕ ናይ’ቶም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ዝጸንሑን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሖምን 1600 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ብሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሃገሮም ምብራሮም ዝፍጸም ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ። 

Please Act Soon to Stop Libya From Deporting 700 Eritreans

The reported preparation of the Libyan authorities to forcefully expatriate Eritreans is, if put into

effect, another sad news to, and a repeated failure of, the international humanitarian community

to stop human rights abuses. This action by Libya is coming in the wake of recent deportation of

about half of 1,600 Eritrean asylum seekers in Egyptian prisons who were visited by UNHCR

officers earlier this months.

ኣቤቱታ ንመንግስቲ ግብጺ ካብ ኣቦ መንበር ሰ/ባይቶ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር

እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ዝጸሓፈሉ ዘሎ ወቕቲ፡ መንግስቲ ግብጺ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ’ታ ጠንጢኖምዋ ዝመጹ ንህይወቶም ሓደጋ ዝዀነት ኤርትራ የባርሮም ኣሎ። ካብ’ቶም ክሳብ 10 ሰነ 2008 ኣብ ኢድ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ምህላዎም ዝፍለጡ 1,600 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ድሮ 800 ዝዀኑ ናብ ኤርትራ ከምዝተባረሩን፤ ነቶም ዝተረፉ ድማ፡ ኣብ’ዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ንምብራሮም ምስንድኣት ይግበር ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። 

ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ንብረት ጕድኣት ኣውሪዱ

ብ18 ሰነ 2008 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ናይ ሓዊ ባርዕ፡ ኣብ ንብረት ተቐማጦ ዓቢ ጕድኣት ኣውሪዱ። ኣብ’ዚ ባርዕ’ዚ፡ 23 ኣጕዶታት ምስ ምሉእ ንብረቱ፡

ዑደት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ወኪል ኮሚሽን ምምስራት ሰልፍን ኣብ ኖርወይ

ኣብ’ዚ ዑደት’ዚ፡ ብጾት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባል ኮሚሽን ምስረታ ሰልፍን ናይ ኣባላትን ክፉት ናይ ህዝብን ኣኼባታት ኣካይዶም። ከምኡ ውን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታትን ኖርወይን ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኖርወይን ምስ ናይ ኦስሎ ናይ ሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ማሕበር ተራኺቦም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስ ኣባላት ውድብ ዝነበሩን ግዱሳት ኤርትራውያን እናተራኸቡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግዲኦም ከበርክቱን ኣብ’ቲ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ ክጽንበሩን ጸዊዖም። 

Joint ELF-RC, Party Formation Delegation Visits Norway

A joint ELF-RC and Party Formation Commission delegation accomplished  a successful mission to Norway between 13 and 16 June 2008. The delegation members were Messrs Tekle Melekin, head of foreign relations; Berhane Tesfagaber, head of financial affairs for the organizaztion, and Negassi Hamde member of the Joint Party Formation commission in Scandinavia. 

ዕዉት ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መበል 23 ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል/ ኤርትራ ተሰላሲሉ

መበል 23 ሰፊሕ በዓል /ፈስቲቫል/ ኤርትራ ካብ ዕለት 08-10 ነሓሰ 2008 ኣብ ትሕቲ “ንሕና ንለውጢ ኢና”! ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ፍራንክፎርት፡ ቦከንሃይመር ቫርተ BOCKENHEIMER WARTE ዝርከብ ዩንቨርስቲ ፍራንክፎርት UNIVERSITÄT FRANKFURT ክካየድ ኢዩ።

 

ሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ወከልቱ ንጕባኤ ሰልፊ መሪጹ

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዕለት 8 ሰነ 2008 ኣብ መደበር ስውእ ሓሰን ጀውሃር ንኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብጻይ መሓመድ ዓሊ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ሓድነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፤ ብዛዕባ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ንጥፈታትን ጕባኤ ሰልፊ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምስንድኣትን፤ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተጋህደ ሓደስቲ ምዕብልናታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። 

መግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ

ሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ዝህቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ብሸነኻ፡ መደብ ስራሓታ ሓንጺጻ፡ ንነብሳ ኣብ ክፍለ ስራሓት ተመቓቒላ ድሮ እቲ ቀዳማይ ምድላው ዘድልዮ ዕማማት ናይ ጉባኤ፡ ምውሳን ቦታ ጉባኤ፡ ምድላውን ምዝርጋሕን ቀጥዒ ተሳተፍቲ ኣባላት ጉባኤ፡ ዝኣመሰሉ ስራሓት ኣሰላሲላ፡ ኣብ ቅርዓት መስራቲ ጉባኤ ዝፍጸመሉ መድረኽ ትርከብ።

መደረ ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ኣውስትራሊያ

ምስጋና ይብጽሓዮም መሪሕነትን መሰረታትን ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባይቶ ሳላ እቲ ዘይሕለል ቃልሶምን ብሩህ ኣወንታዊ ኣተሓሳስብኦምን ሓዲሽ ኣወንታዊ ዘርኢ ተዘሪኡ ኣሎ። እዚ ተዘሪኡ ዘሎ ኣወንታዊ ተስፋ፡ ነቲ ኣብ ፖለትካዊ ህይወት ሃገርና ዓብሊሉ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስብን ኣሰራርሓን ዝምድናታትን ኣብ ምቕያር ኣወንታዊ ተራ ክጻወት እዩ። ፍሪኡ ድማ ብዘይጥርጥር ንህዝብና ዘዕግብ ንነባሪ ሰላምን ዲሞክራስን እምነ መሰረት ዘቐምጥ ክኸውን እዩ። 

ምስጋናይ ይብጸሓዮም ኣባላት ሓባራዊት ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊን ኣባላት ክኾኑ እተመዝገቡ ሕጹያት ሰልፍን፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕሮም ሓዲሽ ታሪኽ ይስራሕ ኣሎ፡ ሳላ ኣብርክቶ ኩሉ ምዕባለ ጉዕዞ ምምስራት ሰልፊ ፍጡን ኮይኑ ኣሎ። ዕማም ኮሚሽን ተደምዲሙ ጉብኤ ሰልፊ ዝግበረሉ ዕለት ከኣ ዳርጋ ኣኺሉ እዩ።

ጸብጻብ ኮንፈረንስ ምምስራት ሰልፊ ኣብ ኣወስትራልያ

ብዕለት 15 ሰነ 2008 ኣብ ከተማ መልቦርን ኮንፈረንስ ምምስራት ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ኮንፈረንስ እተሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣውስትራልያ ዝተወከሉ ሕጹያት ኣባላት ሰልፍን ንጉዕዞ ሰልፊ ዝድግፉ ተሓባበርትን ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናትን ነበሩ። ንኮምሽን ወኪሉ ቃል መእተዊ ዘቕረበ ዓብደልቃድር ህብትየስ ኣባል ኮሚሽን ሓባራዊ ምምስራት ሰልፊ ክኸውን ከሎ ወረቐት መዛረቢ ዶክቶር ሰላሕ ኢብራሂምን ኣቶ ሃይለ ገብሩን እቕረቡ። ንዝቐረበ ወረቓቕቲ ከም መበገሲ ወሲዶም ኣባላት ኮንፈረንስ ንጉዳይ ምምስራት ሰልፍን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ኣልዒሎም ብዕምቆት ምምይያጥ ኣካየዱ።እዚ ኣብ ኣውስትራልያ እተኻየደ ኮንፈረንስ ነቲ ኣብ እውሮጳን ኣብ ኣመሪካን እተኻየደ ኮንፈረንሳት ቀጹሉ ሓደስቲ ሓሳባት ዘቕረበ ክኸውን ከሎ ንመጻኢ ጉባኤ ሰልፊ ዝሕግዝ ርእይቶታት ለበዋታትን ኣዋህሊሉ ኣሎ።

 

መደረ ኣቶ ላይነ ካሕሳይ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና በዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናብ ጥርዚ ምብትታን ተገማጊማትሉ ዘላ እዋንን፤ ህዝብና ብቐጻሊ መሰረታዊ መሰሉን ናጽነቱን ኣብ ዝገሃሰሉ ዘሎን፤ ግዳይ ናይ ብኣልማማ ዝግፍዓሉን ዝሞተሉን ዝቕተለሉን ዝእሰረሉን ዝጠፍኣሉን፣ መንእሰይ ወለዶ ሃገሩ ጠንጢኑ ብኣማእት ንመዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዘሉን ዘሎ እዋን ኢና ናይ ሰልፊ ሕጹያት ኮንፈረንስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነካይድ ዘሎና።

ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ ከመይ ጌርና ነዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ኣልጊስና፤ ኣብ ቦትኡ ሓደ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንተክል እዩ። እቲ መልሲ ኣብ ፖሊቲካ ኤርትራ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምትእትታው እዩ። ከመይ ጌርና ነተኣታትዎ? ንሕና ከም ፖሊቲካዊ ሰልፊ ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከነተኣታትው፣ እንታይ ክንገብር የድልየና።እቲ መጀመርያ ስጉምቲ እምበኣር፣ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ሰልፊ ምምስራትን ብእኡ ኣቢልካ ድማ ደሞክራስያዊ ሕ/ሰብ ምህናጽ እዩ ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፣ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣተኵረ ክዛረብ እየ።

ዜናዊ ጸብጻብ ቀዳማይ ሓባራዊ ሰሚናር ኣባላት ሰ.ዲ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ጀርመን

ኣብ መንጎ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ዕለት 15-16 መጋቢት 2008 ኣብ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ርኽክብ ግዜ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረትን፡ ናይ ስራሓት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ብዘውጽኤቶ ሓደ ካብ መደባትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከብ መሰረታት ክልቲኡ ሸነኻት ብዕለት 07.06.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ቀዳማይ ሰፊሕ ሓባራዊ ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ሰሚናርዚ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 26.04.2008 ኣብ መንጎ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ ርኽክብን ኣብኡ ዝተመደበ ዕማምን ኢዩ።

 

Mr. Laine Kahessay`s Presentation at the North America Party Candidates’ Conference in Indianapolis, Indiana  

This party candidates’ conference for democratic change is taking place at a time when the dictatorial regime continues to push the country to the brink of disintegration. We are holding this conference at a time when the fundamental rights and freedoms of Eritrean people continue to be violated unabated. We are holding this party candidates’ conference at a time when Eritrean people continue to be subjected to a massive torture, death, detentions, murders, and disappearances under a one-man rule. And we are holding this conference at a time when Eritrea’s new generation is fleeing the country in hundreds every day.

The question in front of us all is how do we end the dictatorial regime in our country and replace it by a sustainable democratic system of government. The answer is to introduce a process of democratic change in the politics of Eritrea. How do we do it? What do we need to do as a political party to introduce the process of democratic change in Eritrea? The first step is to develop a democratic political party that would serve as a cornerstone for building democratic society in our country. With this understanding, now let me focus on the following topics:

መደረ ዶ/ር ገብረመስቀል ሃብተዮናስ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ንታሪኽ ንዳሓር ምልስ ኢልና እንተራኣና፣ ሰውራ ኤርትራ ብቡዙሕ ሓርጎጽጎጽ ዝሓለፈ፣ ሰላሳ-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ቡዙሕ ሕድሕዳዊ ምትፍናን፣ ምውንጅጃል፣ ካባኡ ሓሊፉ’ውን ሕድሕዳዊ ውግኣት ዘሕለፈ ምኳኑ ኢና ንርዳእ። እዚ ታሪኽ ኡዙይ ብጉቡእ ዘተሰነደ ጥራሕ ዘኮነስ ኮነ ኢልካ’ውን ዝተቐብረ ቡዙሕ ከምዘሎ ዝሰሓት ሓቂ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ። ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝሓቐቑ ቡዙሓት ከምዝኾኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ንሳቶም ግባኦም ፈጺሞም ሓሊፎም፣ ባህጎምን ትምኒቶምን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን። ንታሪኾም ክቐብሩ፣ መጻኢ ወለዶ ታሪኾም ከይፈልጥ ለይትን መዓልትን ዝጽዕቱ ሓይልታት ከምዘለዉ ክስሓት የብሉን።

 

ኣዋጅ 8ይ ዞባዊ ጉባኤ ጨናፍር ተ.ሓ.ኤ. ሰ/ባ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካን ኮንፈረንስ ምስረታ ሰፊሕ ሰልፍን፡

ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ዘይሕለል ቃልሲ ብምክያድን ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋልን ብዓወት ናጽነት ተበሲሩ’ዩ። እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ቃልሲ ማለት ንህዝባዊ ሓርነታቱ ዝምልከት ግን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተጠልመ ድሙቕ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ።

 

ዕላ ንምምስራት ኩሉ ሐቆፍ ህዝባዊ ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ከተማ ኢንዲያናፕለስ 

ሎሚ ንግሆ ዕለት 1 ሰነ 2008 ዓ.ም. ንAባላት ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶን ንሕጹያት ሰልፊን ዘጠቓለለ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኢንዲያና ብወግዒ ተኸፊቱ።  ብጻይ አለም ዮውሃንስ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ተጋባእቲ ዋዕላ ነንሕድሕዶም ነብሶም ኣላለዩ።

 

ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኦስሎ ንዕለት 14.06.08

ብኣባላት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባን ኮሚስዮን ምቋም ሰልፍን ዝምራሕ ናይ ህዝቢ ክፉት ኣኼባ ንዕለት 14.06.08 ኣብ ከተማ ኦስሎ ክካየድ ስለዝኾነ ኣብዚ ኣኼባ'ዚ ብኵነታት ሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኵሉ ንክሳተፎ ብክብ ዝበለ ክብሪ ንዕድም።

 

ንጎል ዜጋታት ናይ ምልማስ ሓደገኛ ፖሊሲ

ኤርትራ ውልቀ መለኽቲ ብሒቶም ዝንየቱላ፤ ህዝባ ግን ብጓሂ ዝኣክል እንዳ ኣእወየን እንዳ ቛዘመን ዝነብረላ ዘይኮነትስ፡ ዲምክራስን ፍትሕን ዝሰፈና፡ ኩሉ ዜጋ ኸኣ ብማዕረ ዝረብሓላን ዝንየተላን ክትኸውን ከምዘለዋ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ባህግን ጠለብን እዩ። መን ድኣ የምጽኣዮ ነዚ ጠለብ'ዚ፧ መንከ ሓላፍነት ይሰከም ነዚ ጉዳይ እዚ፧ እቲ መልሲ ንማንም ርዱእ እዩ ይመስለኒ። ሃገር ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ እትብጽሖ ህያብ ኣምላኽን፡ ውርሻ ቀዳሞት ወለድን፡ ሕድሪ ጀጋኑ ስዉኣት ኣሕዋትን ስለዝኾነት፡ ኩልና ኤርትራውያን ንሃገርን ንኩነታት ሃገርን ብዝምልከት፤ ሰብ ማዕረ መሰላትን ግቡኣትን ኢና። ስለዚ ከምቲ ኩልና ብማዕረ መሰልና ዝተነፍገ እሞ ከምሳዕበኑ ኣደዳ ሞትን፡ ስንክልናን፡ ማእሰርትን፡ ስደትን፡ ጥሜትን፡ ሕማምን፡ ድንቑርናን ዝኾንና፡ ብማዕረ ሓደ ቃል ኰና መሰልና ክንጠልብን ንስለ መሰልና ጥርኑፍን ውዱብን ምንቅስቃሳት ክነካይድን ከምዘሎና፤ ዘካትዕ ነጥቢ ኣይኮነን። ናብ ገለ ውልቀሰባትን፡ ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝግደፍ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እንታይድኣ ኩነታት ሃገር ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ይጠልብ ስለዘሎ፡ ኩልና ብሓባር ሓደ ኣካል ኰና ንተስእ።

 

በል ሻሙናይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ

ዓላማ ናይ’ዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ ብመሰረት ሻዱሻይ ሃገራዊ ጉባኤኡ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ ኣፍሪሱ ምስ ተመሳሳሊ ርእይቶን ፕሮግራምን ዘልወን ውድባትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዋላውን ውልቀሰባት ሓቢሩ ሰፊሕ ንኹሉ ኣካላት ህዝብና ዝሓቁፍ ፓርቲ ክምስረት ኣሎዎ ዝብል ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ናይ ዝሓልፈ ውድባዊ ጉዕዙኡ  ዝመዝነሉን ዝዛዝመሉን ናይ መጻኢ ፓርታዊ ዕ ማማቱ ዝትልመሉን ኮይኑ ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣኸቲሙ ናይ ፓርታዊ ኣሰራርሓ ዝጅመረሉ ፍሉይ ግባኤ ኢዩ።

 

ህዝባዊ ኣኼባ ኑርንበርግ - ጉንበት 24/2008 ብዓወት ተዛዚሙ

"ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ 17 ዓመታት ልክዕ ኣብዚ ዕለትዚ፡ ሰራዊት መግዛእቲ ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ዝወጸሉን፡ ነቲ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር መስዋእትን ህልቂትን፡ መቁሰልትን ስንክልናን፡ ስደትን ሕሰማቱን ሰጊርና ሽግ ናይ ነጻነት ኣብ ሃገርና ዝተወላዓሉ መዓልቲ ኢዩ። ነጻነት ኤርትራ ድማ፡ ዋላዃ ብልዑል ወታሃደራዊ ተራ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ይረጋገጽ ዳኣምበር፡ ከምቲ መራሒ ህግዲፍ ዝብሎ ዘይኰነስ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብዘፍቕዶ ተቓሊሱ ዘረጋገጻ መዓልቲ ስለዝኾነት፣ ንኹልና ብማዕረ እትብጻሓና ክብርቲ ዕለት ስለዝኾነት፥ ከነኽብራ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ ዘለና ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ግዝኣት፥ ንሕድርን መብጻዓን ህዝቢ ኤርትራን ቃልስታቱን ጠሊሙ ከብቕዕ፡ ብውግእን ትምክሕትን ተላዕጢጡ፡ ነቲ ወላድ ኤርትራ ዘፍረየቶም ጀጋኑ ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ሓራ ዘውጽእዎ  ጎቦታትን ናይ ውግእ ቦታትን ብስእሊ ኣስንዩ ንህዝቢ ኣኪቡ ብጓይላን ዳንኬራን ንመዓልቲ ነጻነት ከብዕላ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናቱ ዝርኤን ዝስማዕን ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ንራኣዩለይ ስምዑለይ እንየዘይኰይኑ፡ ህዝብናስ ካብ ነጻነት ትጽቢቱ እዚ ዘይኮነስ፤ ብዝዋሓደ መባእታዊ መሰላቱ ተሓልዩ፡ ብዘይፍርህን ራዕድን ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር ኢዩ ሃረርታኡ ዝነበረ።..." 

 

ተዋጽኦ ግብረ-ሰናይ ካብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ብዘደነቐ ጽንዓትን ተወፋይነትን ንዘመናት ተዋጊመሬቱ ካብ ካብ ዝምንዝንሆ 17 ዓመታት ሓሊፉ። ባህጉን ሕልሙን ኤርትራ ነጻ ኰይና ኣብ ክንዲ ውግሰላም፣ ኣብ ክንዲ ጥምየት ጽጋብ፣ ኣብ ክንዲ ሕማም ና፣ ኣብ ክንዲ ድንቁርና ፍልጠት፣ ኣብ ክንዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ብመንነቱ ኰሪ ሰብኣዊ መሰላቱ ተኸቢሩ፣ ዓሪፉ ክንብር ነይሩ። የግዳስ መብጽዓታቱ ተጠሊሙ በቶም ካብ ኣፍ ደቁ ኣሕዲጉ ዝመገቦም ንደገና ይጭፍጨፍ ኣሎ።  

ብጉዳይ ምቛም ሓባራዊ ሰልፊ ህዝባዊ ኣኼባ፤ ኣብ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኻይዱ

መቐጸልታ ናይቲ ብወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሳንታ ሮዛን ሳንድየጎን ዝተኻየደ ኣኼባታት፣ ብ10 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ኮሚሽን ምቛም ሓባራዊ ሰልፊ ዝጸውዖ ኣኼባ፤ ኣባላት ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶን ካልእ  ውድብን ከምኡ’ውን ግዱሳት ሃገራውያን ባእ ታታትን ዝተሳተፍዎ ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይዱ። ኮሚሽን ዝዓደሞም ናይ ሕጊ፤ ሕክምናን ጋዜጠኛን ሞያ ዘለዎም ምሁራትን መንእሰይን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ንምዕብልናታት መስርሕ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ድሕሪ ምክትታል ርእይቶኦምን ደገፎምን ብምግላጽ ብቐጻሊ ክከታተሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Our Independence Day must echo democratic change

We celebrate this year´s Independence Day with firm determination to reclaim what is ours. We celebrate this independence to stop the repressive government who is terrorizing and torturing every breathing soul in Eritrea. Above all, we celebrate this independence to make a deep soul searching as to why the whole society of Eritrea is silent and unwilling to rise up and dismantle the repressive government.  

Contact Information            [Party Membership Registration Form]

Electronic mail
General Information: info@speedliberty.org

Webmaster: info@speedliberty.org

 

[ Home ] Feedback ] Contents ] Search ] Archive ][Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/03/08