|
|
|
|
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ’ቲ ብሓምለ 2006 ዘካየዶ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባትን፤ ኣብ’ዚ መደብ ዕዮ’ዚ ዝኣምኑ ውልቀ ኣባላትን፡ ናብ ሓደ ሓድሽ ሰልፊ ዝምስርትሉ ሓባራዊ ጕባኤ ንኽኣትዉ ዝገበሮ ጻውዒትን ዝወሰዶ ተበግሶን እንሆ ኣብ ልዳት ጕባኤ በጺሑ። ጕባኤ፡ ልክዕ ኣብ’ቲ እተወሰነሉ ዕለት 25 ሓምለ 2008 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምድላዋት ተወዲኡ ኣሎ። Party founding congress and the challenges ahead of us Both ELF-RC and new party members will hold their broad base political party founding congress on July 25 2008. The necessary party draft documents to be presented at congress have been finalized. As is known, a series of discussions and campaigns on the party draft documents have been under way for quite some time now. In addition, such discussions and campaigns will continue during and after the congress. Now, the party formation process is on its final phase. And the process of nominating delegates to the founding congress is under way. ጕባኤ ምስረታ ሰልፍን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታትን እዚ ሓደ ስጕምቲ ናብ’ቲ ቅኑዕ ጐደና ደኣ’ምበር ናይ መወዳእታ ዕላማ ግን ኣይኰነን። ናይ መወዳእታ ዕላማና ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝረብሓሉ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን …ወዘተ ለውጥታት ምምዝጋብ ኢዩ። ለውጢ፡ ከምዘይነጽፍ ውሕጅ ወትሩ ቀጻልን ዘየቋርጽን ጕዕዞ ስለዝዀነ፡ መጻእቲ ወለዶታት ናቶም ብጽሒት እናበርከትሉ ዝኸዱ ለውጢ ንምጅማር ኢና ተላዒልና ዘሎና ደኣ’ምበር፡ ንሕና ጀመርትን ወዳእትን ክንከውን ኢና ካብ ዝብል ኣረዳድኣ ኣይኰነን። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ደኣ’ምበር ናይ ውሱናት ሰባት ወይ ናይ ውሱናት ውድባት ከምዘይኰነ ክንስሕቶ የብልናን። ሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ወከልቱ ንጕባኤ ሰልፊ መሪጹ ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዕለት 8 ሰነ 2008 ኣብ መደበር ስውእ ሓሰን ጀውሃር ንኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብጻይ መሓመድ ዓሊ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ሓድነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፤ ብዛዕባ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ንጥፈታትን ጕባኤ ሰልፊ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምስንድኣትን፤ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተጋህደ ሓደስቲ ምዕብልናታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። መግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ዝህቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ብሸነኻ፡ መደብ ስራሓታ ሓንጺጻ፡ ንነብሳ ኣብ ክፍለ ስራሓት ተመቓቒላ ድሮ እቲ ቀዳማይ ምድላው ዘድልዮ ዕማማት ናይ ጉባኤ፡ ምውሳን ቦታ ጉባኤ፡ ምድላውን ምዝርጋሕን ቀጥዒ ተሳተፍቲ ኣባላት ጉባኤ፡ ዝኣመሰሉ ስራሓት ኣሰላ
|
|
Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|